ነዕብየካ

ነዕብየካ ብዶክተር ኖኤል ውድሩፍን ኮንግረስ ሚዩዚክ ፋክትሪን ዝተዳለውት ጸሎትን መዛሙርን ዝሓዘት ሓዳስ ኣልበም እያ።

እዚ ሓያል ኣምልኾ፡ ካብ ብምስጋና ዝተመልአ ልቢ ዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ግርማ፡ ሉኣላውነትን ክብርን እግዚኣብሄር ከምኡውን ንመርሃታቱ ባህሪኡን ብምኽባር ዝወሓዘ እዩ።

እዚ ኣልበም ንኣገዳሲ መድረኽ ናይ ሓባር ጉዕዞና ይውክል። ናይ ቛንቛ እንግሊዝ ቅዳሕ ፈጠራዊ ማእከል ናይ ኮንግረስ ኣብ ዝኾነ ኤላይጃ ሰንተር ኣብ ፍሉይ ዝኾነ ናይ ቀረጻ ክፍለግዜ እዩ ተመሊኡ። እዚ ናይ ምቕዳሕ ክፍለግዜ ብኣዋሃሃድነት ዶክተር ኖኤል ውድሩፍ፡ በዓልቲቤቱ ሲስተር ጁን ውድሩፍ፡ ኣብዚ ስራሕ ዝተሳተፉ ቅዱሳን ኤላይጃ ሰንተርን ካብ ኪንግደም ኮምዩኒቲ ኔትዎርክ ናይ ትሪናዳድን ቶቤጎን ዝተመርጹ ተወከልትን’ዩ ተኻይዱ።

ብምቕጻል ድማ ካብ መላእ ዓለም መዘምራንን ሙዚቀኛታትን ብሕብረት ብምዃን ነዚ ናይ ኣምልኾ ቀረብ ብልዕሊ 14 ቋንቋታት ኣዳልዮሞ። ሕጂ ኣብ ዙርያ ዓለም ዘለው ቅዱሳን ንጎይታና የሱስ ክርስቶስ ዘዕርግዎ ዘለው ውቁብ ድምጺ ምስጋናን ኣድናቖትን ይስማዕ ኣሎ።