All Of Me For All Of You - Tigrigna CD Cover

ነምልኸካ 

ነዘን ካብ ብ ዶ/ር ኖኤል ውድሮፍን ካብ ብኮንግረስ ሚዩዚክ ፋክትሪን ዝመጻ ዝተዳለዋ ጸሎትን መዛሙራትን ምሳኻትኩም ክንካፈለን ከለና ብምክፋልና ሕጉሳት ኢና። “ነምልኸካ” ንልቢ ናይ ሓባር ኣምልኾናን፣ ንእግዚኣብሄር ንዘለና ኣኽብሮትን፣ ምስጋናን እዩ ዘንጸባርቕ።

ኣብዚ ኣልበም እዚ እቶም ዘመርቲ፣ መዘምራን፣ ጸሓፍቲ መዛሙርን ሙዚቀኛታትን ብሓቂ ንጽባቐ ኣካል ጎይታትና የሱስ ክርስቶስ እዮም ዘንጸባርቑ። ነዚ ሕጅ ንሕና ንመቕለኩም ዘለና ቀረብ ንቤተክርስትያናትን ኣብ መላእ ዓለም ንዘለው ኣመንትን ንኽበጽሕ ተሓባቢሮም ንምስራሕ -- ካብ ካሪቢያን፣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ኣውሮጳ፣ ኣፍሪቃ፣ እስያ፣ ላቲን ኣመሪካ፡ ፓስፊክን -- ካብ ኩሉ ኩርናዓት ምድሪን እዮም ተኣኻኺቦም።